Fana: At a Speed of Life!

ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእለን እኹል ማይ ሒዘን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኩለን ግድባት መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብዚ ባጀት ዓመት ዝተተለመ ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእለን እኹል ማይ ሒዘን ኢሉ።

ኣካያዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን ኮሚኒኬሽንን እቲ ትካል ፍስሃ ጌታቸው ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ 14 ግድባት ክሳብ ሰነ 30 2017 ዓ.ም ሓይሊ ንምፍልፋል ዘኽእለን እኹል ማይ ምሓዝ ክኢለን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ጊቤ 3፣ በለስ፣ ገናሌ ዳዋ 3፣ ተከዘ፣ ግልገል ጊቤ 1 ፣ ፊንጫ፣ መልካ ዋከና፣ ነሼ፣ ጢስ ኣባይ 1 ፣ ቆቃን ካልኦትን ሓይሊ ምፍልፋል ዘኽእለንን ምሓዝ ትፅቢት ዝግበረለንን ሓይሊ ማይ ምሓዘን ኣረጋጊፆም።

ግድባት መፈልፈልቲ ሓይሊ ኤሌከትሪክ ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕመን ካብ 74 ሺሕን 500 ክሳብ 448 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ከመዝኾነ ገሊፆም።

ብዮሐንስ ደርበው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.