ግድብ ህዳሰ ናብ ኢንዱስትሪ ዝግበር ጉዕዞ ዘቀላጥፍ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝርከብ ልዑል ጠለብ ሓይሊ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ምላሽ ብመሃብ ኢትዮጵያ ናብ ኢንዱስትሪ ትገብሮ ጉዕዞ ዘሳልጥ ኢዩ ኢሎም ምሁራን፡፡
ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፃንሒት ዝነበሮም ምሁራን፤ ካብቲ ግድብ ዝፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ቀረብ ሓይሊ ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ብምዕባይ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ረብሓ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ ኬሚካል ምህንድስና መላኩ ተስፋዬ (ዶ/ር)፤ ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ንኣፈረይቲ ኢንዱስትሪ ዘተኣማምን ቀረብ ሓይሊ ክህሉ ዘኽእል ኢዩ ኢሎም፡፡
ኢንዱስትሪታት ቅድሚ ሕዚ ምስ ቀረብ ሓይሊ ተተሓሒዙ ዘጋጥሞም ዝነበረ ፀገም ብምፍታሕ ናይ ምፍራይ ዓቕሞም ከምዘዕቢ እውን ፀሪሖም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ሶዶ መምህር ክፍሊ ትምህርቲ መካኒካል ምህንድስናን ተመራማሪን ጌታሁን ሶርሳ ብግደኦም፤ ቀረብ ሓይሊ እንትዓቢ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ንምዃን ፍርያት ብምብዛሕን ብፅሬት ንምፍራይን ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ግድብ ህዳሰ ንኢንዱስትሪታት ዘድሊ ሓይሊ ብልዑል ኩነታት ስለዝህብ ኢትዮጵያ ብዋጋ ይኹን ብፅሬት ተወዳደርቲ ዝኾኑ ፍርያታት ንኸተፍሪ ዝሕግእ ኢዩ ኢሎም።
እናዓበየ ንዝርከብ ልዑል ጠለብ ሓይሊ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ምላሽ ብመሃብ እታ ሃግ ናብ ኢንዱስትሪ ትገብሮ ጉዕዞ ዘሳልጥ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።
ብኣስጨናቂ ጉዱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!