ግድብ ህዳሰ ናይ ዘበናት ኒሕ ኢትዮጵያውያን ዝመለሰ ኢዩ – ከንቲባ ከድር ጁሃር
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ ዘበናት ኒሕ ኢትዮጵያውያን ዝመለሰ ኢዩ ኢሎም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ከድር ጁሃር።
ምዝዛም ግድብ ህዳሰ ብምምልካት ኣብ ስቴዲየም ከተማ ድሬዳዋ ሰልፊ ድጋፍን መግለፂ ሓጎስን ተኻይዱ፡፡
ከንቲባ ከድር ኣብቲ እወን ከምዝበሉዎ÷ ግድብ ህዳሰ መላእ ኢትዮጵያውያን ብትሕብባርን ሓድነትን ጋህዲ ዝኾነ ዳግማዊ ዓድዋ ኢዩ ኢሎም፡፡
ግድብ ህዳሰ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ናፅነት ኢኮኖሚ ከረጋግፅ ከምዝኽእል ብርሃን ዘርአየ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡
ኣብ ህንት እቲ ፕሮጀክት ዝተርኣየ ምትሕብባር ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀፃሊ ካልኦት ሃገራዊ ፕሮጀክታት ምግዳም ከምዝግባእ እውን ኣመልኪቶም፡፡
ግድብ ህዳሰ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተበፃሕነት ሓይሊ ካብ ምዕባይ ሓሊፉ ምትእስሳሰር ሓይሊ እቲ ዞባ ከምዘጠናኽር እውን ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!