ግድብ ህዳሰ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ኣስተዋፅኡ ክህልዎ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ግድብ ህዳሰ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ኣስተዋፅኡ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ-ስላሴ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ብራስልስ ኣብ ዝተሳለጠ ግሎባል ጌትዌይ ፎረም 2025 ምስ ዝገበርዎ ተሳትፎ ጎኒ ንጎድኒ ‘ዲፕሎማቲክ ወርልድ’ ምስ ዝተብሃለ መፅሄት ፃንሒት ነይሩዎም።
እቲ ግድብ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ልዑል ተስፋ ዝገበርሉ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ንከይትለምዕ መሓንቕ ካብ ዝነበሩ ፀገማት እትወፅአሉ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብ ማይ ናይል 85 ሚኢታዊት ዝኾኑ ዝፍልፍል ካብ ኢትዮጵያ እኳ እንተኾነ ኣብዝሓ ህዝብና መሰረታዊ ኣገለግሎት ኤሌክትሪክ ምርካብ እንተይከኣለ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያን ህዝባን በዚ ኣገባብ ዝቕፅልሉ ምኽኒያት ከምዘየለ ኣፅንኦት ብምሃብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ነዚ ዘበናት ዝተሳገረ ንኢፍትሓዊነት ዝሰዓረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ግድብ ህዳሰ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ርኡይ ኣስተዋፅኡ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን! ፡