ግድብ ህዳሰ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን ኢትዮጵያውያን ኢዩ – ኣይተ ኣሻድሊ ሃሰን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን መላእ ኢትዮጵያውያን ኢዩ ኢሎም ኣይተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ክልል ኣሻድሊ ሃሰን፡፡
ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብዓወት ምዝዛሙ ብምምልካት ኣብ ከተማ ኣሶሳ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።
ኣይተ ኣሻድሊ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣሰር መላእ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ ውፅኢት ትግሃትን ፅንዓትን ኢዩ።
እቲ ግድብ ንዓወት ዝበቕዐ ብዙሓት ፈተናታት ብምሕካፍ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ ፕሮጀክት ጋህዲ ዝኾነ ብሓገዝ ግዝቢን ብቆራፅነ ኣመራሓ መንግስቲን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
እቲ ግድብ ኢትዮጵያውያን ኣብ ጉዳይ ኣባይ ካብ ታሪኽ ምስማዕ ናብ ታሪኽ ምስራሕ ዝተሰጋገርናሉ ኣብ ውሽጢ ፈተና ዝተረኸ ኣሰር ወለዶ ኢዩ ክብሉ እውን ኣዘኻኺሮም።
ሕብረተሰብ እቲ ክልል ካብ ትሩፋት እቲ ግድብ ተጠቀምቲ እናኾነ ምምፅኡ ዝተዛረቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እዚ ድማ ጉዕዞ ኢኮኖሚን ምዕባለን ኢትዮጵያ ንምዕዋት ዘኽእል ዓወት ኢዩ ኢሎም፡፡