Fana: At a Speed of Life!

ጎረባብቲ ውዳታት ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ኣብ ሩባ ኣባይ ብሓባር ዘኽብሩዎ በዓል ሩፋኤል …

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)3 ጳጉሜን ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሩፋኤል ዝሕበረሉ ዕለት ኢዩ፡፡

ብቛንቋ እብራይስጥ ‘ሩፋ’ ማለት ጥዕና፣ ፈውሲ፣ መድሓኒት፣ ርህራሄ፣ መሓሪ ማለት እንትኸውን÷ ‘ኤል’ ድማ ኣምላኽ ወይ እውን እግዚአብሄር ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ብመሰረት እዚ ሩፋኤል ‘እግዚአብሄር መድሐኒ ኢዩ’ ማለት ኢዩ።

3 ጳጉሜን ዝኽበር ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሩፋኤል መበገሲኡ ሃይማኖት አንትኸውን፤ ብኣስተምህሮ እቲ ሃይማኖት መሰረት መዓልቲ ሩፋኤል መሳኹቲ ሰማይ ይኽፈቱ።

ኣብቲ ዕለት ዝዘንብ ዝናብን ዝውሕዙ ወሓዝቲ ሩባታትን ዝተቐደሱ ከምዝኾኑ ይእመን።

በዚ ምኽንያት ህዝቡ ብፍላይ ህፃናትን ሰገናትን ዝናብ እንትዘንብ ክዳውንቶም ብምውጻእ ‘ሩፋኤል ኣዕብየና፣ ሩፋኤል ናብ ዝራእቲ ዕልቦ አኣትወና’ እናበሉ ኣብ ዝወርድ ዝናብ እናተጠመቑ ኣብ ጎዳናታት ይዘልሉ።

ኣብ ሩባ ኣባይ ዝኽበር በዓል ማዕዶ ንማዕዶ ብምኽንያት ምምላእ ማይ ክረምቲ ተረሓሒቖም ዝነበሩ ህዝቢታት ዝራኸቡሉ እዋን ብምዃኑ ፍሉይ ማሕበራዊ ረብሓ ኣለዎ። ሩፋኤል ዋና መራኸቢን ናይ ሓድነትን በዓል ከምዝኾነ እውን ይዝረብ፡፡

ንኣብነት ሸዋን ጎጃምን፣ ወሎን ጎጃምን፣ ጎንደርን ጎጃምን ኣብ ዘራኽቡ ድልድላት ኣባይ እቲ በዓል ብፍሉይ ይኽበር፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ዋና ድልድል ኣባይ ጎረባብቲ ወረዳታተረ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን በዓል ሩፋኤል ብዝተፈላለዩ መደባት ብድምቀት ከምዝኽበር ሓበሬታ ቪዚት ኣማራ የመላኽት፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.