Fana: At a Speed of Life!

ጠለብ ዝሕደስ ሓይሊ ካብ ዝምልሱ ፕሮጀክታት ሓደ ዝኾነ ኮይሻ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ትኹረት ብመሃብ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ውፅኢታዊ ተግባራት ኣሳሊጣ ኢያ።

ብፍላይ ዓንዲ ሑቐ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ዝኾነ ልምዓት ዝሕደስ ሓይሊ ብዝወገነቶ ተግባር ዝተረኸበ ውፅኢት ኣዚዩ ዘዕግብ ኢዩ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ብኣብነት ክፅርሑ ዝኽእሉ ፍልፍላት ዝሕደስ ሓይሊ ዝኾኑ ፕሮጀክታት ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ታሕተዋይ ተፋሰስ ሩባ ኦሞ ካብ መፈልፈሊ ሓይሊ ጊቤ ሰለስተ 129 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ ፕሮጀክት መፈልፈሊ ሓይሊ።

እቲ ፕሮጀክት 1 ሺሕን 800 ሜጋ ዋት ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ፍሰት ሓይሊ ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ከምፅእ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበየ ንዝመፅአ ጠለብ ሓይሊ ምላሽ ንመሃብ ወሳኒ ዝኾነ እዚ ፕሮጀክት፤ ንፁህን ዘተኣማምንን ዝሕደስ ሓይሊ የቕርብ።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ማእኸል ንግዲ ወፃኢ ኤሌክትሪክ ንምዃን ዘለዋ ልዑል ድሌት ንምዕዋት እውን ልዑል ሓገዝ ይገብር።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.