ጠንካራ ቁመና ቴክኖሎጂ ንምህናፅ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ጠንካራ ቁመና ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ርብርብ ክግበር ኢዩ ኢሎም።
ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂንን ቢሮታት ክልላትን ኣብ 2017 ዓ.ም ዝነበሮም ኣፈፃፅማ መደባትን ናይ 2018 ዓ.ም ትልሚን ገምጋም ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ።
በለጠ ሞላ (ዶ/ር)፥ ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ንዜጋታት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ልዑል ግደ ዘበርክት ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ንክፀድቕ ምግባር ሓዊሱ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተኻየዱ ገሊፆም።
ዝተርኣዩ ክፍተታት ብምእራምን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣጠናኺርካ ብምቕፃልን ትካላዊን ሃገራዊን ቁመና ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ዘኽእሉ ስራሕቲ ርብርብ ከምዝግበር እውን ተዛሪቦም።
ብተስፋዬ ሃይሉ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!