Fana: At a Speed of Life!

ጥንኩር ቅዋም ቴክኖሎጂ ንምህናፅ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ጥንኩር ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ርብርብ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) እዚ ዝበሉ፤ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ቢሮ ክልላት ብምዃን ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ስራሕቲ ትልሚ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ኢዩ።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብዙሓት ቁልፊ ተግባራት ብምውጋን ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ተመዝጊቡ ኢዩ።

ኣብቲ በጀት ዓመት ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ዜጋታት ዕዙዝ ግደ ዘበርክት ኣዋጅ ስታርት ኣፕ ክፀድቕ መግባር ሓዊሱ ኩለመዳይ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ተዛሪቦም።

ዝተርኣዩ ክፍተታት ብምእራምን ዝተረኸቡ ውፅኢታት ኣጠናኺርካ ክቕፅል ብምግባር ትካላዊን ሃገራዊን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ንምህናፅ ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ርብርብ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.