Fana: At a Speed of Life!

ጥዕናዊ ረብሓታት ፃዕዳ ሽጉርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፃዕዳ ሽጉርቲ ልዑል መጠን ፖታስየም፣ ፎስፎረስ፣ ዚንጎ፣ ሳልፈርን ማእከላይ መጠን ማግነዝየም፣ ማንግኒዝን ሓፂንን ዝሓዘ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ ጥዕና ይገልፁ።

ኣብ ፃዕዳ ሽጉርቲ ጠመተ ብምግባር ዝተኻየዱ ምርምራት ጥዕና ከምዝሕብርዎ፥  ሰዓል ከም ዝፍውስ፣ ልዑል ፀቕጢ ደምን ኮለስትሮልን ከም ዘጉድልን ካልኦት ጥዕናዊ ረብሓታት ከምዘለዎን እውን ይሕብሩ።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ብርክት ዝበሉ ጥዕናዊ ረብሓታት ዘለውዎ ብምዃኑ ኣብ ኣመጋግባና ብቐፃሊ ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ይገልፁ።

እዚ እንትበሃል፥ ንኹሉ ዝኸውን ሓደ ዓይነት መጠን እኳ እንተዘይሃለወ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ፃዕዳ ሽጉርቲ ኣብ መግቢና ክንሓውስ ከምዝግባእ ግን ይምዕዱ።

እዚ ድማ ሰዓል ኣብ ምፍዋስ፣ ልዑል ፀቕጢ ደምን ኮለስትሮልን ኣብ ምጉዳልን ካልኦት ጥዕናዊ ረብሓታት ኣብ ምሃብ ረብሓ ከምዝህብ እቶም ሰብ ሞያን ተመራመርቲን ጥዕና ይገልፁ የብል ኣብ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ።

ፃዕዳ ሽጉርቲ ክጭፍለቕ ከሎ ኩሎም ውህደታት ይፍነው’ዮም ዝብል እቲ ውፅኢታት ምርምር ጥዕና፥ ስለዚ ኣዝዩ ሓያል ጣዕሚ ሽጉርቲ እንተደሊና ዝተጨፍለቐ ጥረ ፃዕዳ ሽጉርቲ ክንጥቀም ከምዝግባእ ይምዕድ።

ጻዕዳ ሽጉርቲ ኣብ ሙቐት ዘለዎን ደረቕን ፅልምት ዝበለን ክፍሊ’ምበር ኣብ ፍሪጅ እንተዘየቐመጥና ዝሓሸ ይኸውን እውን ኢሉ።

ይኹን እንበር እንተለስሊሱን ክቁረፅ ከሎ ሕብሩ ቀይሩ ቡናዊ ኮይኑ እንተረኺብናዮን  እንተዘይተጠቐምናሉ ይምረፅ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.