ጥዕናይ “ጤንነቴ” ዝተብሃለ ናይ ሞባይል መተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ቀረብ መድሓኒትን ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕናን ንምቅልጣፍ ጥዕናይ “ጤንነቴ” ዝተሰመየ ናይ ሞባይል መተግበሪ ዕላዊ ገይሩ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ኣብ ስነስርዓት ምረቃ እቲ መተግበሪ ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ÷ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።
መንግስቲ ሕማም ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ሓኪምካ ኣብ ምድሓድነ ብትኹረት እናሰርሐ ስለዝኾነ እውን ውፅኢት እናተመዝገበ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ብግደአን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ መተግበሪ ልዑል ፅሬት ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ተሓከምቲ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪተን፡፡
ዓውዲ ጥዕና ተበፃሒን ቅልጡፍን ንምግባር ቴክኖሎጂ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እቲ ሚኒስቴር ኣገልግሎት ጠዕና ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂታት ሓንፂፁ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ብቅድስት ተስፋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!