ጩራ ወጋሕታ ንምርኣይ ናይ ፀላም ደልሃመት ምሕላፍ ግድን ኢዩ – ኣይተ ደበሌ ቃበታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
አቶ ደበሌ በእንኳን አደረሳችሁ መልዕክታቸው የንጋትን ጎህ ለማየት ድቅድቁን ጨለማ ማለፍ ግድ ነው ብለዋል
ኣይተ ደበሌ ኣብ መልእኽቶም፥ “ጩራ ወጋሕታ ንምርኣይ ናይ ፀላም ደልሃመት ምሕላፍ ግድን ኢዩ” ኢሎም፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠሩ ፀገማት ንኽውገዱ መሪር መስእትነት ምኽፋል ዘይተርፍ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ደበሌ፥ ኣቦታትና ሃገርና ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንኅትህነፅ ብዙሕ መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም፤ ኣብ ዘበንና እውን ብራኸ ኢትዮጵያ ንምምላስ ኣብ ዝተዋፈርናሉ ሞያ ኣድላዪ መስዋእቲ እናኸፈልና ንርከብ” ኢሎም፡፡
“ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ለውጡ ዝፈታተኑ ሓድነታትና ዘተዓናቕፉ ብዙሓት ፀገማት ኣጋጢሞምና ኢዮም፤ ይኹ እምበር ብዘይ መስዋእትነት ዓወት የለን ብዘይፈተና እውን ዕዉትነት ስለዘይርከብ ብፅዓት ከምነሓልፎም ጥርጥር የብለይን፤ ሓዱሽ ዓመት ድማ እዚ ትምኒትና ጋህዲ ዝኾነሉ ዓመት ይምነ ክብሉ” ገሊፆም፡፡
እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ወገናት ሰላም ዝበዝሐሉ፣ ልምዓት ዝቕፅለሉ፣ ምዕባለ ጋህዲ ዝኾሉ ዘለዎም ሰናይ ትምኒት ገሊፆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።