Fana: At a Speed of Life!

ጳጉሜን-መፋነዊት ኣረጊት ዓመት

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ወርሒ ነሓሰ ተዛዚሙ ወርሒ መስከረም ከይኣተወ ዘለዋ ውሑዳት(5/6) መዓልታት ጳጉሜን/ቋቚመን ይበሃላ።

እቲ ቅነ ድማ፥ ብፍላይ ኣብ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ከም መዕፀዊ ኣረጊት ዓመትን ምጅማር ሓዱሽ ዓመትን ስለዝኾነ መሰጋገሪ ዘመን ከም ዝኾነ ይእመነሉ።

ጳጉሜን መንፈሳዊ ትርጉምን ባህላዊ ልምድን ዝሓቖፈ እንትኸውን፥ ሰባት ንርእሶም ዝግምግሙሉን ንዝመፅእ ሓድሽ ዓመት ድማ ፈጣሪ ምሕረቱን ረድኤቱን ከብዘሐሎም ዝልምንሉ፣ ንዝበለፀ ስራሕ ንገዛእ ርእሶም ዘዳልውሉ እዋን ኢዩ።

እዋን ጳጉሜን ካብ ዝኾነ እዋን ፍሉይ ዝገብሮ እውን ኣለዎ፤ ኣዕዋፍ ጩቕ ቅድሚ ምባለንን ምድሪ ቅድሚ ምውግሑን ጎራዙን መናእሰይን ናብ ሩባ ብምኻድ ማይ ጳጉሜን ይሕፀቡ።

እተን ጎራዙ፦

‘’ጳጉመንየ ኣብ ማይ ጳጉመንየ

ትሕፀባዶ ኣብ ማይ ጳጉመን’’ እናበላ ከበሮን ጣቒዕትን ኣድሚቐን ናብ ሩባታት ይወርዳ።

ብተወሳኺ፦

“ኣደይ ኣብርህለይ ክወርዶ ማየ

ይብርሃኺ ጓለይ ውረድዮ ማየ ”

ክርዳድ ዘይብሉ ዝኣረኽዎ

ሳዓዕ ዘይብሉ ዝመመኽዎ” እውን እናበላ  ናብ’ቲ ሩባ ብምውራድ “ማይ ፀሎት” ይሕፀባ።

መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እውን፥  ምስተን ኣዋልድ ናብ ሩባ ብምውራድ ምስኣተን እናተዋዘዩ ተሓፂቦም እናደረፉን  እናሳዕስዑን ናብ ዓዶም ይምለሱ።

እዚ ተግባር መሬት ብፀልማቱ(ከይወግሐ) እንከሎ ዝካየድ እንትኸውን፥ ሰለስተ ጊዜ ናብቲ ሩባ ጥሒሎም ይወፅኡ  ወይ’ውን ጨንጒዖም ይሕፀቡ እሞ መሬት ኣፀቢቑ ከይበርሀ ናብ ዓዶም ብሓባር ኢዮም ዝምለሱ።

ትርጉም ምሕፃብ ማይ ጳጉሜን ካብ ሃማኖታዊ እምነት ዝብገስ እንትኸውን፥ ኣብ ቅንያት ጳጉሜን “ኣምላኽ ንማያት ብፍሉይ ስለዝባርኾም ናብኦም ወሪድካ ብምሕፃብ ካብ ሕማማት ክትፍወስ ትኽእል ኢኻ” ዝብል እምነት ከም ዘሎ  መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ይዛረቡ። ልዕሊ ኹሉ ድማ ጳጉሜን ሓጥኣትካ ሓፂቡ ኣብቲ ሓድሽ ዓመት “ሓድሽ ሰብ” ኮንኳ ክትወፅእ ዝገብር’ዩ ተባሂሉ’ዩ ዝእመን።

ስለዚ ማይ ጳጉሜን ከም ማይ ፀሎት ዘገልግል ብምዃኑ  ሰባት እቲ ሩባ ገና ከይተራኸሰ እንከሎ ብጒሓቱ ከይዶም ይሕፀቡ።

እዋን ጳጉመን ካሊእ ትርጉም እውን ኣለዎ፤ ኣብ ከባቢታት ገፀር ዝራእቲ ክሽውት ዝቐረበሉ፣ ንእንስሳት ዝኸውን ሳዕሪ ዝባፀሐሉ ቅነ ብምዃኑ ንሰብ ይኹን እንስሳት ናብ ፅጋብ ዝሰጋገሩሉ ትስፍው እዋን ተገይሩ ይእመን።

እንስሳታት ዘቤት  ኣብ ወፍረን ልሙዕ ሳዕሪ ፀጊበን ስለዝኣትዋ አንትሕለባ በዝሒ ፃባ ይህባ። ኣደ ደቃ ዝሓለብዎ ፀባ ተቐቢላ ናብ ላጋ ተዕርቖ፤ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ምስ ፀንሐ ድማ ረጊኡ ይሕቆን። እቲ ርጉኦ ተሓቚኑ ጠስሚ ምስተፈለየ  ነቲ ሕቛን ፀባ(ዓውሶ) ብጓጉድ እናተቀባበልካ ኣብ ኢድካ ምስ እትወሃበካ ንእሽቶ ቅጫ እናማሰርካ ትበልዕ።

መናእሰይ ከብዶም ምስ መልኡ ኣንጊሆም ጥሪቶም ኮብኲቦም ንበረኻ የወፍሩ። ኣብቲ በረኻ ጥሪቶም እናጓሰዩ ሽግ ንቅዱስ ዮሃንስን መስቀልን ዝኸውን ይሰርሑ። ምሸት ንምሸቱ ድማ ጥሪቶም ኮብኲቦም ሽጎም ተስኪሞም ናብ ዓዶም ይኣትዉ።

ስለዚ ኣብቲ ቅነ፥ ቅዱስ ዮውሃንስ ክኣቱ ዝቀራረበሉ ሰሙን ስለዝኾነ ብዙሕ ምድላዋት ዝግበረሉ ቅነ ጳጉሜን ኢዩ።

ንኣብነት ንኣውደ ዓመት ዝኸውን ክዳውንቲ(ሓዱሽ ይዕደግ ወይ ነባር ሓፂብካ) ይዳሎ፣   ኣደታት ናይ ኣውደ ዓመት ይቑነና፣ ኮምኡ’ውን ጨና ኩሕሊ ይቕረብ። ንዓመት በዓል ዝኸወን ቀማመ ቀመም ተቐሪቡ በርበረ ይድለኽ፡ ንቅዱስ ዮውሃንስ ዝኽውን ጥጅእ ይጥጃእ። እዚ ኩሉ ኣብ እዋን ጳጉሜን ኢዩ ዝፍፀም።

ሐዚ ሐዚ እናተረሰዐ ዝመፅእ ዘሎ ካሊእ ባህላዊ ተግባር እውን ኣብቲ ቅነ ይፍፀም ከምዝነበረ ዓበይቲ ይዛረቡ። ኣብቲ ኣረጊት ዓመት ወርሒ ጥሪ ዝተመርዓወት መርዓት ንፈለማ እዋን ኣብ ደገ ወፂኣ ብርሃን ፀሓይ እትርእየሉ መዓልቲ ቅዱስ ዮውሃን ስለዝኾነ ኩሕልን መድቆስ ኩሕልን ኣዋዲዳ፣ ተቖኒና ጨና ኣደስን ጨና ፈረንጅን አትቕበአሉ ሰሙን ከምዝነበረ ይገልፁ።

እዚ እትገብርሉ ቀንዲ ምኽኒያት ድማ፥ መርዓዊኣ ሓደሽቲ ክዳውንቲ ሒዙላ ምሸት ቅዱስ ዮውሃንስ ናብ ገዛ ስለዝመፅእ ፀቢቓን ማዕሪጋን ንምፅናሕ እትገብሮ ምድላው ኢዩ ይብሉ።

እታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጳጉሜን ማለት ድሮ ቅዱስ ዮውሃንስ ምሸት፥ መንእሰይ ሽጎም ሒዞም ሆያ ሆየ ዝብሉላ ዕለት ኢያ። ኣብዚ ዕለት እንታይ ይብሉን ምስ ባህሊን ሃይማኖትን ከመይ ዝምድና ኣለዎን ንዝብል ክንምለሶ ኢና።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.