Fana: At a Speed of Life!

ፀላእትና ዝጠጅእዎ ጥሒስናን በቲኽናን ብሓድነት ተሰሊፍና-ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ምዝዛሙ ስዒቡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ኢትዮጵያ ሃገርና ኣብ ምዕራፍ ልምዓት ኢያ ዘላ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ ዝተውሃባ ሃፍቲ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ፣ ሃፍቲ፣ ፈተናታት ተፃዊራ፣ ንኣፍሪካ ኣብነት ብዝኸወን መገዲ ዛዚማ ኢያ ክብሉ ገሊፆም።

እቲ ግድብ ህዳሰ ልክዕ ኣቦታትና ከምዘዐወትዎ ዓወት ዓድዋ ኣብዚ ዘበን ዝተዓወተ ዳግማዊ ዓድዋ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ፀላእትና ዝጠጅእዎ ጥሒስናን በቲኽናን ብሓድነት ተሰሊፍና ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ኣረጋ ከበደ ክብል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.