ፀሎት ሓሙስ ብዝተፈላለየ መንፈሳዊ ፍፃመታት ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ስነ-ስርዓት ፀሎት ሓሙስ ኣብ ካቴድራል ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ ስላሴ ኢትዮጵያ ኣቦታት ሃማኖትን ምእመናንን ኣብ ዝተረኽብሉ ይካየድ ኣሎ።
ፀሎት ሓሙስ 4ይ መዓልቲ ሰሙነ ሕማማት ሎሚ ዕለት ኣብ ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ቤተ ክርስቲያን ንግሆ ብፀሎት ኪዳን፣ ስግደት፣ ምሕፃብ እግሪ፣ ቅዳሴን ካልእ መንፈሳዊ መርሃ ግብሪታትን እናኽበረት ትርከብ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናይ መወዳእታ ድራር በሊዑ ብትሕትና እግሮም ዝሓፀበሉ መዓልቲ እዩ።