ፀወታ ፍፃመ ኮሙዩኒቲ ሺልድ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሻምፒዮን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ ፀወታ ፍፃመ ኮሙዩኒቲ ሺልድ ምስ ተዓዋቲት ፅዋዕ ኤፍኤ ካፕ ጋንታ ክሪስታል ፓላስ ዝገብረኦ ንሕንሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
ብኣርነ ስሎት ትምራሕ ሊቨርፑል ኣብ ስታዲየም ዌምብሌይ ምስ ክሪስታል ፓላስ ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሺልድ ንምልዓል ድሒሪ ሒደት ደቓይቕ ሰዓት 11 ክትገጥም ኢያ።
ንማንቼስተር ሲቲ ብምስዓር ኣብ ታሪኻ ንፈለማ እዋን ፅዋዕ ኤፍኤ ዘዕወተት ክሪስታል ፓላስ ንፈለማ እዋን ኣብ ትሳተፈሉ ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሺልድ ታሪኽ ንምስራሕ ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።
ቅድሚ ሕዚ 16 ግዘ ፅዋዕ ኮሙዩኒቲ ሺልድ ክተልዕል ዝኸኣለት ሊቨርፑል ብግደኣ ንመበል 17 ግዘ ንምዕዋት ምስ ክሪስታል ፓላስ ትገብሮ ንሕንሕ ሃንቀውታ ፈጢሩ ይርከብ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!