ፀገማት ብምክእኣልን ዘተን ብምፍታሕ ስራሕቲ ልምዓት ምጥንኻር ይግባእ – ሌ/ጄ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገማት ብምክእኣልን ዘተን ብምፍታሕ ስራሕቲ ልምዓት ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም ነበር ኣመራርሓ ሌ/ጄ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወግዒ ሶፍ ኡመር ብዝብል ርእሲ ምስ ነበርን ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣመራርሓታት ዘቲዮም።
ሌ/ጄ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብቲ ዘተ፥ ኣብቲ ዑደት ዝረኣይዎ ነገር ፈፂሞም ካብ ዝገመትዎ ንዓቐብ ከምዝኾነ ተዛሪቦመ።
እቲ ዑደት ድሕሪ ነዊሕ እዋን ምስ ናይ ቀደም ናይ ስራሕን ቃልስን መሓዙቶም ሓቢሮም ናይ ምስታፍን ምዝታይን ዕድል ከምዝፈጠረሎም ተዛሪቦም።
ዞባ ባሌ ቅድመ ሐዚ ከምዝፈልጥዎ ብምዝኽኻር፥ ይኹን እንበር ናይዚ ሐዚ ዑደት ዘሎ ሃፍቲ ብዝግባእ ምግንዛብ ከምዘኽኣሎም ገሊፆም።
በዓቲ ሶፍ ኡመር ዝነኣድ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኢዩ፤ ሐዚ ዝለምዐሉ ዘሎ መገዲ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ሰላምና ሓሊና፣ እናተኸኣኣልናን ስርዓት ፖለቲካና ኣመዓራሪናን ፀገም ብዝፈትሕ መገዲ እንተኸይድና ቀፃሊ እዋን ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ከምዝመፅእ እነቶም ምዃኑ ገሊፆም።
ፀገማት ብምክእኣልን ዘተን ብምፍታሕ ስራሕቲ ልምዓት ምጥንኻር ይግባእ እውን ኢሎም ሌ/ጄ ፃድቃን ገ/ትንሳኤ።
ብመላኩ ገድፍ