Fana: At a Speed of Life!

ፀገማት ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕ ጉዳይ መምህራን ጠመተ ክክግበረሉ ይግባእ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውፅኢት ተምሃሮ ዝተመዘገበ ትሑት ወቅፅኢት ንምምሕያሽን ፀገማት ፅሬት ትምህርቲ ንምፍታሕ ጉዳይ መምህራን ጠመተ ክክግበረሉ ከምዝግባእ ሙሁራን ገሊፆም።
 
እቶም ሙሁራን ንምውራድ ውፅኢት ተምሃሮ ኩሉ ሓላፍነቱ ክወስድ ግባእ ኢሎም።
 
ተመራማሪ ስነ-ትምህርት ወርቁ ደጀኔ (ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ካብ ሞንጎ ዝተርኣዩ ፀገማት ምልመላን መረፃን መምህራን ሓደ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
 
መምህርነት ኣማራፂ ዝሰኣኑ ሰባት ዝፅምበሩዎ ሞያ ኮይኑ ኢ ዝበሉ እቶም ሙሁር፥ እዚ ድማ ፀገም ዓቕሚን ፅሬትን ንኽፍጠር ከምዝገበረ ገሊፆም።
 
ብርኪ ናብራ መምህራን ትሑት ምዃን፣ ኣብ ሞያ መምህርነት ዝንፀባረቕ ክፍተት ኣመለኻኽታን ምንኣስ ዓቕሚን ኣብቲ ዓውዲ ንዘጋጠሙ ፀገማት መበገሲ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ድማ ተስፋ ተገኘ (ዶ/ር) እዮም።
 
እዞም ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ሓዊሱ ብዛዕባ ወለዶን ሃገርን ይምልከተኒ ኢዩ ዝብል ኩሉ ክረባረብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
 
ብኣፈወርቅ እያዩ
 
#Ethiopia
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.