ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢና ንምፍታሕ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢና ንምፍታሕ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ይውገኑ ኣለዉ ኢለን፡፡
ሎሚ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብፍጥነትን ብፅሬትን ኣብ 24 ህንፃታት ዝተሃነፁ 1 ሺሕን 287 ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ተመሪቖም፡፡
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን፤ ሕቶታት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ማሕበረሰብናን ንምምላስ ዘኽእሉ ብዙሓት ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንውግን ኣለና ኢለን።
ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢና ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ልዕሊ 380 ሺሕ ኣባይቲ ብምህናፅ ንተጠቀምቲ ኣመሓላሊፍና ዝበላ እተን ከንቲባ÷ እዚ ድማ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ዝነበሩ 17 ዓመታት ካብ ዝተሃነፁ 179 ሺሕ ኣባይቲ ዝዛየደ ከምዝኾነ ገሊፀን።
መምርሒ ፈጠራን ሰለጤንን ብጭቡጥ ካብ ዘረጋገፅናሎም ፕሮጀክታት እዚ ዓብዪ ዓወተ 24/7 ባህሊ ስራሕ ኣብ ተግባር ብምውዓል ዝተረኸበ ውፅኢት ኢዩ እውን ኢለን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!