Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ቀረብ ዘይቲ ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ – ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገም ቀረብ ዘይቲ ንምፍታሕ ምኽባር ናብራ ንምርግጋእን ይሰርሕ ኣለኹ ኢሉ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡፡

ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሃቢባ ሲራጅ ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፀኦ÷ ኣብታ ከተማ ፀገማት ቀረብ ዘይቲ ከየጋጥምን ምኽባር ናብራ ንምርግጋእን ብዙሓት ስራሕቲ እናተወገኑ ይርከቡ፡፡

ፍርያት ዘይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብእኹል ኩነታት ከምዘሎ ዝሓበራ እተን ሓላፊት÷ ሓደ ሓደ ነጋዶ እታ ከተማ ሕፅረት ፍርያት ከምዘሎ ብምምሳል ዋጋ ንምውሳኽ ከምዝፍትኑ ተዛሪበን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሸመትቲ ማሕበራት፣ ትካል ስራሕቲ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ከምኡ እውን ብዝተፈላለዩ ትካላት ኣበሊ 5 ሊትር ዘይቲ ብ1 ሺሕን 400 ብር ንተጠቀምቲ እናቐረበ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ነገር ግን ሓደ ሓደ ነጋዶ ልዕሊ እዚ ዋጋ እናሸጡ ከምዝረኣዩ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ቢሮ ብሸመትቲ ማሕበራት፣ ብችርቻሮን ትካላትን ኣቢሉ ፍርያት ዘይቲ ብእኹል ኩነታትን ብተመጣጣኒ ዋጋ እናቐረበ ከምዝርከብ እተን ሓላፊት ገሊፀን፡፡

ብቴዎድሮስ ሳህለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.