Fana: At a Speed of Life!

ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ንምምሕያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ።

ሓራዊ መድረኽ ዘተ ሚኒስቴር ጥዕናን ላዕለዎት ኣመራርሓ ቢሮ ጥዕና ክላትን ኣብ ከተማ ሃረር እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝበረታታዕ ስራሕ ከምዝተወገነ ብምሕባር÷ ፅሬት ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምምሕያሽ እናተሰርሑ ዝርከቡ ተግባራት ንምጥንኻር ትኹረት ከምዝወሃብ ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብሪሀን፡፡

ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዙ ስራሕቲ ጋህዲ ኣብ ምግባርን ብምውዳድ ብምስራሕ ዝተረኸቡ ውፅኢታት ንምጉልባትን ዝተረኣዩ ጉድለታትን ንምፍታሕ ምርብራብ ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን።

ብተስፋዬ ሃይሉ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.