Fana: At a Speed of Life!

“ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር”

ብደምን ኣዕፅምቲን ኣያታትና ፀኒዓ ዝነበረት ሃገርና ብልዑል ብርኪ ተሓፊራን ተኸቢራን ንክትቅፅል ኣብ ጉዕዞ ሓዱሽ ምዕራፍ ንርከብ።

በቢእዋኑ ዘጋጠሙ ፈተናታት ብፅንዓት ምሕላፍ ሓዱሽ ታሪክ ዝሰርሑ ናይ ጀጋኑ ሃገር ፤ ኢትዮጵያ ።

በቢታሪኩ ዝፍፀሙ ዓወታት ድማ በዓል ቤት እንትህልው ኢትዮጵያዊ እንትመውት ኢትዮጵያ ምዃን ዝምነዮ ደቃ እዮም።

ነዙይ እዮ ድማ ጳጉሜን ሓደ “ፅኑዕ መሰረት ብርትዕቲ ሃገር”ብዝብል መሪሕ መልእኽቲ ብብርኪ ሃገር ነዞም ጀጋኑ ንምምስጋን ዝኽበር።

ኢትዮጲያ ንዘመናት ብፀገማትን ፈተናታትን ዘይተሰኮነት ናይ ታሪኽን ያታን ገመዳት ዝተኣሳሰሩላ ሃገር እያ።

ኣብ ድሮ ዓወት ዓድዋ ሕማም ከብትን ድርቅን ምስ ባዕሎም ንባዕሎም ብባእሲ ንኢትዮጵያ ይፍትና ነይሩ።

ፅኑዕ መሰረት ሃገር ከምዝነበረ ዘይተገንዘበ ፀላኢ ወሪርና ፤ ጀጋኑ ኣያታትና ውሽጣዊ ባእሶም ገዲፎም፣ ብሰንኪ ድርቂ እንስሳ ዝፈጠረ ፅዕንቶ ተፃዊሮም ናብ ዓድዋ ወፊሮም፤ ቅድሚ ዓድዋን ድሕሪ ዓድዋን ታሪኽ ዓለም ከፋፊሎም ዓወት ኣመዝጊቦም።

ኣብዚ ክፍለ ዘመን ኣብ ታሪኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝፈጠረት ሓያል ሃገር እያ፤ ኢትዮጵያ። ቅድሚ ግድብ ህዳሰን ድሕሪኡን ብዝብል ታሪክ ብፈተናታት ሓሊፋ ኣዐዊታ፡፡

ነዚ ታሪኽ መዕፀፊ ንምፍጣር ጥንኹርን ብማንም ዘይትስኾን ሃገር ንምህናፅ ቆራፅነት ይሓትት ነይሩ፡፡

ድርቂ ፣ውሕጅ፣ ኲናት፣ ለበዳ Covid-19፣ ለበዳ ኣንበጣ በረኻ፣ ምፍራስ መሬት፣ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲያዊ ፅዕንቶ ምብዛሕ፣ ብታሪኻዊ ፀላእትን ተንኮል ጉድጓድ ምኹዓት ወዘተ ፈተናታት ግድብ ህዳሴና እዩም ነይሩ።

ይኹን እምበር ፈተና ተፃዊሩ፣ ከም ወርቂ ተፈቲኑ፣ ንልኡላውነት ሃገር ምፅናዕን ታክ ምስራሕ ንኢትዮጵያ መግለፂኣ እዩ፡፡ ንኹሉ ፈተናታት ሰጊሮም ታሪኽ ኢትዮጵያ ቅድሚን ድሕሪን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ክልተ መቒሎምዎ እዮም።

ኢትዮጵያዊ ካብ ታሪክና ዝተመሃርናዮም ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝተሓባበር፣ ኢትዮጵያ ብታሕጓስ ሂወቱ ዝስውእ፣ ኩሉ ምድራዊ ብድሆታት ብቆራፅነት ዝገጥምን ንዓወት ፅኑዕ መሰረት ዘለዋ ድልዱል ሃገር ንምዕቃብ ዝጥዕርን ምዃኑ ካብ ታሪኽና ተማሂርና ኢና። ኢትዮጵያ ነዚ ፃዕርን ፍቕርን ደቃ ፈፂማ ኣይትርስዖን።

እንዃዕ ንጳጉሜን 1፣ መዓልቲ ፅንዓት ኣብፅሐኹም!

ግልጋሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፌዴሪኢ

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.