ፅዕንቶ መነባብሮ ነበርቲ እታ ከተማ ዘቃልሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተካይዶም – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፅዕንቶ መነባብሮ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘቃልሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ቤት ምኽሪ ምምሕዳር እታ ከተማ 5ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 2ይ ስሩዕ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዝምልከት ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ምርግጋእ ዕዳጋን ቀረብ ፍርያትን ንምዕባይ ብትኹረት ከምዝሰርሑ ተዛሪበን፡፡
በዙይ እውን ልዕሊ 688 ሽሕን 153 ኩንታልን ዝራእቲ፣ ልዕሊ 2 ሚሊየንን 127 ሽሕን 208 ስቡሓት ከፍቲ፣ ኣባጊዕን ኣጣልን ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ምኽኣሉ ሓቢረን፡፡
ብተወሳኺ 12 ሚሊየንን 601 ሽሕን 755 ሊትሮ ዘይቲ ምግቢን 242 ሽሕን 892 ኩንታል ሽኮርን ብምቕብ ፅዕንቶ መነባብሮ ነበርቲ እታ ከተማ ንምቅላል ውፅኢታዊ ስራሕቲ ምክያዶም ኣረዲኤን።
ንግዲ መሰረተ ልምዓትን ምቁፅፃርን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበኦ መብራህርሂ ሰንሰለት ደላላን ብምብታንን ተጠቃሚ ምስ ኣፍራዪ ብቐጥታ ንምትእስሳርን ሰፊሕ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ሓቢረን።
ኣብ ሓሙሽተ መእተዊታት እታ ከተማ ዝተሃነፁ ማእኸል ዕዳጋ ላፍቶ ቁፅሪ 2 ናብ ኣገልግሎት ከምዝኣተወን ቁፅሪ ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ካብ 219 ናብ 245 ከምዝዓበየን ገሊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!