Fana: At a Speed of Life!

ፆም ፍልሰታ ስለ ሰላም ሃገር ብምፅላይን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝ ክነሕልፍ ይግባእ – ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፆም ፍልሰታ ስለ ሰላም ሃገር ብምፅላይን ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝ ክነሕልፍ ይግባእ ኢሎም ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፡፡

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ፆም ፍልሰታ ቅድስት ድንግል ማርያም 2017 ዓ.ም ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ ንሕና በቢእዋኑ ፆም ንኽንፀውም ዘድለየሉ ዋና ምኽንያት ፍቓድ ስጋና ብምግራሕ ንእግዚአብሄር ምእዙዛእ ንኽንከውን ኢዩ” ኢሎም፡፡

ፆም ሓጢያት ምገትአሉ መሳርሒ ብምዃኑ ሰውነትና ንግብረ ሓጥያትካብ ዘገልግሉ ምግቢታት ርሒቕና ብዝሰኸነ መንፈስ ንእግዚአብሄር እናሓሰብና ሓጥያትና እናሓሰብና ብንስሃ ናብኡ ንምቕራብን ንዑኡ ንምእዛዝን ንፀውም ኢሎም፡፡

እግዚአብሄር ካብ ምስዋእ ንላዕሊ ምእዛዝ ስለዝፈቱ ብፆምን ፀሎትን ንዑኡ ክንእዘዝ ይግባእ፤ እግዚአብሄር ኣብ ማህፀን ቅድስት ድንግል ማርያም ክሓድር ዝኸኣለ ‹‹ከምዝበልካዮ ይኹነለይ›› ኢላ ምእዙዝነታ ኣብ ዝገለፀትሉ እዋን ኢዩ፤ ንሕና እውን ከምዝበልካና ይኹነልና እናበልና ከም ማርያም ምእዙዛት ክንከውን ይግባእ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ሎሚ ኣብ ዓለምና ዘሎ ቅልውላው ንእግዚአብሄር ዘይምእዛዝ ዘምፀኦ ጣጣ ከምዝኾነ ማንም ኣይስሕቶን፤ ምእዙዝነት እንተዝህሉ ወዲ ሰብ ንሰብ ዘድሕን እምበር ንሰብ ዝቐትል መሳሪሒ ኣይመፍረየን ክብሉ ብፁእነቶም ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም፡፡

ብመንፅር እዚ ሕዚ እውን ንኩሎም ደቂ ሰባት እነመሓላልፎ መልእኽቲ ‹‹ብፍቕሪ እንተኾይኑ ንኡሽተይ እውን የኣኽለና ኢዩ ዘለና ብሓባር ብምጥቃም ብፍቕሪን ብሰላምን ንንበር›› ዝብል ኢዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡

ኣብ ሱባኤ ፆመ ማርያም ስለ ሰላም ሃገርን ድሕንነት ህዝቢን ብምፅላይ፣ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ፀገም ዝርከቡ ወገናት ብምሕጋዝ ክነሕልፍ ይግባእ ክብሉ ምግንዛቦም እታ ቤተክርስቲያን ንፋና ዲጂታል ዝለኣኸቶ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.