Fana: At a Speed of Life!

ፈላማይ ፌስቲቫል ተምሪ ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ዓለም ለኸ ፌስቲቫል ተምሪ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣብቲ ፌስቲቫል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ ካብ ትሽዓተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተውፃእፅኡ ሓለፍቲ ዘፈር ሕርሻ፣ ተመራመርቲን ኣምባሳደራትን ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም።

ኣይተ ኣወል ኣርባ ኣብቲ ፌስቲቫል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እቲ ፌስቲቫል ልምዓት ተምሪ ብቴክኖሎጂን ፈጠራን ብምሕጋዝ መፍረያይነት ንምድንፋዕ ኣዚዩ ጠቓሚ ኢዩ ኢሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሕርሻ መለስ መኮንን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ዘላቕነት ዘለዎ ሕርሻ ንምስፋሕን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ከምዚ ዝበሉ ፌስቲቫላት ልዑል ግደ ኣለዎም ኢሎም።

ከም ዓፋር፣ ሶማሊያ፣ ጋምቤላን ክፋል ኦሮሚያ ዝበላ ክልላት ተምሪ ንምልማዕ ምቹው ስነ-ምህዳር ከምዘለወን ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ኣብዞም ከባቢታት ተምሪ ብምልማዕ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተጀመረ ሃገራዊ ጉዕዞ ምጥንኻር ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ዓረብ ኤምሬት ብምትሕብባር ኣብ ዝተሰናደአ እቲ ፌስቲቫል ሎሚ መዓልቲ ሓዊሱ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ክፀንሕ ኢዩ።

ብካሊፋ ከድር

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.