Fana: At a Speed of Life!

ፈረንሳይ ነኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ – ኣምባሳደር ኣሌክሲስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፈረንሳይ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ጥዕና ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣሌክሲስ ላሜክን፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት  ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣፈ ጉባኤ ኣብቲ እዋን÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ስትራቴጂካዊ ርክብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፈረንሳይ ኣብ ጉዳያት ትምህርቲ፣ ጠዕናን ዲፕሎማሲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ብመንፅር እዋናዊ ኩነታት ክቃነ ከምዘለዎ ኣብሪሆም፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ፈረንሳይ ዘለዎ ርክብ ብሓዱሽ መልክዕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ድሌት ከምዘለዎም ኣልዒሎም፡፡

ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ንህዝቢን መንግስቲን ፈረሳይ ስትራቴጂክ መሓዛ ከምዝኾነት ኣመልኪቶም፡፡

ፈረንሳይ ኣብ ትምህርቲን ጥዕናን ትገብሮ ሓገዝ ከምኡ እውን ኣብ ፅገና ሓድጊ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኣብ ሸተኦ ንምብፃሕ ከምትሰርሕ ምርግጋፆም ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ኮሙኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን እቲ ቤት ምኽሪ ተረፈ በዳዳ ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕልን ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ርክባት ድሌት ኢትዮጵያ ንኽዕወት ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ተዛሪቦም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.