Fana: At a Speed of Life!

ፈተናታ ኣጠናኺካ ብፅንዓት ንኽንሰርሕን ውፅኢት ክንረክብን ገይሮምና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናያም ፈተናታትን መከራታትን አጠንኪሮምና ብዝበለፀ ፅንዓት ተጊህና ንኽንሰርሕን ውፅኢት ክንረክብን ገይሮምና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ትዕዝብቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ኮይሻ’ ብዝብል ርእሲ ገምጋም ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀዳማይ 100 መዓልቲ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ግድ ኮይሻ ምስ ሚኒስትራት ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ፤ ኢትዮጵያ ክትምዕብል ኢያ፣ ዝግበኣ ቦታ ክትሕዝ ኢያ፣ ቦታኣ ናይ ምሓዝ ሃንቀውታን ትምኒታን ግን ካብ ናትና ፃዕሪን ድኻምን ወፃእ ዝረጋገፀሉ መገዲ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን ኢሎም።

ኣብ ሕድሕድ ስጉምቲ ክንመሃር ኢና፤ ብዕምቆት ንምርኣይ ክንፍትን ኢና፤ ዝረኣናዮ ንብዙሓት ንምርኣይ ክንጓየ ኢና ብምባል፤ ኣብዚ ከይዲ ኢትዮጵያ ክትሰርሕ ኢያ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝረኣናዮምን ዝተምሃርናዮምን ነገራት ፈለማ ንኢትዮጵያ ምፍላጥ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይ ብዙሓት ፀገም ንኢትዮጵያ ዘይመፍላጥ ኢዩ ኢሎም።

በዚ ድማ ብውሑድ ሳንቲም ንባዕዳውያን እንትግዝኡ ከምዝረአ ብምፅራሕ፤ ናይ ዓባይ ሃገር ዜጋ ኢየ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ግዘ ሂቡ ብምስራሕ ውፅኢት ከምዘምፅእ ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.