ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም፡፡
እተን ትካላት ኣብ ዘካየድኦ ናይ ሓደ ሚሊየን ብር ሽልማት ዘለዎ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ውድድር ሙዚቃ ከካይዳ እየን።
በዙይ እውን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ሰንበት ኤ.ኣይ ስቱድዮን ብሓባር ናይ ኤ.አይ ውድድር ሙዚቃ ኣዳልዮም።
ዕላማ እቲ ውድድር ብሓገዝ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቴክኖሎጂ ጅግንነታዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ዓወት ዓድዋ ንምዝካር ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ድልየት ዘለዎም ስራሕቲ ክሳብ 7 መጋቢት 2018 ዓ.ም ስርሓቶም ፃውዒት ቐሪቡ፡፡