Fana: At a Speed of Life!

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኦሜጋ ጋርመንትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኦሜጋ ጋርመንትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ሓለፍቲ ስራሕ ክልቲኦም ትካላት ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡

ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብ13 ሬዲዮ ጣቢያታት፣ ክልተ ቴሌቪዥን ቻናላትን ብዙሓት መስመራት ማሕበራዊ ሚዲያን ብቋንቋታት ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ብዝፍንዎም ትሕዝቶታት ስራሕቲ ተበፃሒ፣ ፅዕንቶ ፈጣሪን ተመራፂን ሚዲያ ከምዝኾነ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ሚዲያ ፋና ዲጂታል ኣይተ ሸለመ ከቤ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተዛሪቦም፡፡

ትካልና ብሸውዓት ቋንቋታት ውሽጢ ሃገርን ብክልተ ቋንቋታት ወፃኢን ተበፃሒ ኢዩ ዝበሉ ኣይተ ሸለመ፤ ኦሜጋ ጋርመንት ምስ ፋና ብምትሕብባብር ምስርሑ ትርፋማ ከምዝገብሮ ገሊፆም፡፡

ኣብ ፋና ዲጂታል ፖድካስት ‘ኤክስትራ ታይም’ መደብ ስፖርት ኣልባሳት ስፖርት ብምቕራብ ብምትሕብባር ንምስራሕ ዝወሰነ ኦሜጋ ጋርመንት ተበፃሕነትን ተፈታውነትን ፋና ኣብ ግምት ብምእታው ኢዩ ዝበሉ ድማ መስራቲን ዋና መካየዲ ስራሕን ኦሜጋ ጋርመንት ኣይተ ፍፁም ብዙነህ ኢዮም፡፡

ንኢትዮጵያ ነብስር ብዝብል ልኡኽቶ ዝሰርሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ቀዳማይ ፍልፍል ሓበሬታ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝርከብ ሃገር በቆል ኦሜጋ ጋርመንት ኩባንያ ዝተፈላለዩ ዕጥቂታት ስፖርት ዘፍሪን ዘቕርበን ኢዩ።

ብኣቤል ነዋይ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.