ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብሄራዊ ረብሓ ብምቕዳም ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምብሳር ይሰርሕ ኣሎ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብሄራዊ ረብሓ ብምቕዳም ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምብሳር ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው፡፡
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽንን ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሙያን ፌደራል ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብሄራዊ ረብሓ ብምቕዳም ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምብሳር እናሰርሐ ይርከብ፡፡
ፅባሕ ኣሳጊሩ ዝጥምት ትውልዲ ንምህናፅ ቴክኖሎጂ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ መንግስቲ ካብ ዘቐመጦም ኣንፈታት ሓደ ቴክኖሎጂ ብምዃኑ ኣብዚ ብትኹረት እናሰራሕና ንርከብ ኢሎም።
እቲ ትካል ሚዲያ ሃገራዊን ማሕበራዊን ሓላፍነቱ ከምኡ እውን ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ ናይ ምድጋፍ እጃሙ ብመሪሕ እናተዋፀአ ይርከቡ ክብሉ ሓቢሮም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስልጠና ቴክኒክን ሙያን ፌደራል ብሩክ ከድር (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ትካሎም ኣብ ኢትዮጵያ ፅሬት ዘለዎ ስልጠና ብመሃብ ፀገም ፈታሕቲ ስራሕቲ ምርምር እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
እቲ ዓውዲ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ዜጋታት ዝሓዘ ብምዃኑ ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ስልጠናን ምርምርን ሓሊፉ ኣብ ቴክኖሎጂ ብትኹረት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ልዑል ተበፃሕነት ዘለዎን ሃገራዊን ማሕበራዊን ሓላፍነቱ ብዝግባእ እናተዋፀአ ዝርከብ ትካል ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ