ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣብ መበል 20 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብዝደመቐን ምስሊ ሃገር ብዝሃንፅን ብዝግባእ መልክዑ ተኸቢሩ ንኽዛዘም ንዝገበረ ኣስተዋፅኦ ብቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦ እቲ በዓል ብዓወት ንኽዛዘም ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ትካላትን ውልቀሰባትን ፍሉይ ኣፍልጦ ሂቡ ኢዩ፡፡
ብመሰረት እዚ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን እቲ በዓል ብድንቀትን ምስሊ ሃገር ብዝሃንፅን መልክዑ ተኸቢሩ ንኽዛዘም ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ፡፡
ብማርታ ጌታቸው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!