ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ናይ ኣዲስ ኣበባ ብዝሃ መልክዕ የርእይ – ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ቢሮ ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ብምትሕብባር ንምስረሕ ዘኽእል ስምምዕነት ገይሮም።
ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ቢሮ ሎሚ ኣብ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ዑደት ዝገበሩ እንትኸውን፥ ክልቲኦም ትካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘቲዮም።
ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ኣ.ማ ኣድማሱ ዳምጠው ከምዝበልዎ፥ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኢትዮጵያዊያን ኩሎም ከተማ ከም ምዃና ፋና ኣብ ውሽጣ ዝሓቖፈቶ ብዝሃነት ብምንፅር ምጉላህ ይሰርሕ ኣሎ።
ምምሕዳር እታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከም ሽማ ሓዳስን ውቅብትን ከምኡ’ውን ንነበርታ ምቹእ ንክትከውን ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሚዲያና ግድኡ ክዋፃእ ኢዩ ኢሎም።
ዋና ከተማ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ስለዝኾነት ሓላፍነትና ድርብ ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
እዚ ምስ ብሄራዊ ረብሓ፣ ሃገራዊ ምዕባለን ብራኸ ኢትዮጵያን ብምዝማድ እናተንተነ ምስርሑ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ኣረጋጊፆም።
ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ኣይተ ሃፍታይ ገብረእግዚአብሔር ብግደኦም፥ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፅባቐ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምግላፅ ልዑል ግደ ተፃዊቱ ኢዩ ኢሎም።
ብፍላይ በቲ ምምሕዳር ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ኮሪደር ልምዓት፣ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከምኡ’ውን ከተማዊ መድረኻት ሽፋን ሚዲያ ብምሃብ ነታ ከተማ ኩለመዳይ ምዕባለ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ተዛሪቦም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውዲ ሚዲያ ዘሎ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን! ፡