ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ፍሉይ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብዘጋቢ ፊልሚ፣ ዜናን ዝተፈላለዩ ፕሮግራማትን ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ብቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎ።
እቲ ቤት ምኽሪ በቢዓመቱ ሰብ ሞያን ኣመራርሓን ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ስራሕቲ ሚዲያ ብዝምልከት ዝዛተይሉ መድረኽ ዘዳሉ አንትኸውን፥ ናይ ለምዘበን ዓመታዊ ናይ ቻምበር -ሚዲያ ዕለት “ሚዲያ-ንሓምለዋይ ልምዓት ተግባራት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ትማሊ ኣካይዱ።
ዋና ፀሓፊ እቲ ቤት ምኽሪ መሰረት ሞላ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፥ ሰብ ሞያ ሚዲያ ብፍላይ ናይ ንግዲን ኢኮኖሚን ዓውዲ ጋዜጠኛታት ብፍልጠትን ምስትውዓልን እንተተንቀሳቒሶም ንሃገራዊ ንግዲን ኢኮኖሚን ምዕባለ ዝፃወትዎ ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ መድረኽ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ብዘጋቢ ፊልሚ፣ ዜናን ዝተፈላለዩ ፕሮግራማትን ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ካብ ኢድ ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ወ/ሮ ዘሃራ መሓመድ ኣፍልጦን ወረቐት ምስክርን ተቐቢሉ።
ብሺበሺ ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን! ፡