ፋና ኤፍ ኤም ደብረ ብርሃን 94.0 ሕቶታት ህዝቢ ብምምላስ ርኡይ ግደኡ ይዋፃእ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ኤፍ ኤም ደብረ ብርሃን 94.0 ሕቶታት ህዝቢ ብምምላስ ርኡይ ግደኡ ይዋፃእ ኣሎ ኢሉ ምምሕዳር እታ ከተማ።
ፋና ኤፍ ኤም ደብረ ብርሃን 94.0 መበል 12 ዓመቱ ምኽኒያት ብምግባር መስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ዘተ ኣሳሊጡ።
እቲ መርሃ ግብሪ ምስ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ብምትሕብባር ዝሰርሐሉ ኩነታት ንምጥንኻር ዝዓለመ ኢዩ።
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ደብረብርሃን ወርቃለማው ኮስትሬ፥ እቲ ጣቢያ ፍልፍል ሓበሬታ ብምዃንን ፍሪያትን ኣገልግሎትን ብምፍላጥን ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብር ኣሎ ኢሎም።
ፋና ኤፍ ኤም ደብረ ብርሃን 94.0 ሕቶታት ህዝቢ ብምምላስ ርኡይ ግደኡ ይዋፃእ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
ብኣላዩ ገረመው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!