Fana: At a Speed of Life!

ፋይዳ መለለዩ መንነት ብ”PDF” ኣውሪዶም ናይ ምሓዝ ኣማራፂ ንግዚኡ ዝተቋሪፀሉ ምኽንያታት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፋይዳ መለለዩ መንነት ብ”PDF” ኣውሪዶም ናይ ምሓዝ ኣማራፂ ንግዚኡ ተቋሪፁ ኢሉ ብሄራዊ ፕሮግራም መንነት፡፡
ፋይዳ መለለዩ መንነት ብPDF” ኣውሪዱ ናይ ምሓዝ ኣማራፂ ንግዚኡ ዝተቋረፀሉ ምኽንያት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ፡-
1. ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከባ ኢንተርኔትን ቤት ማሕተምን ትሑትን ፅሬት ብዘይብሎምን ካርድታት ይሕትማ ኣለዋ፣
2. ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብፎቶሾፕ ብምምሳል ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘታልሉ ዘለዉ ኣሕተምቲ ብሰፊሑ ምህላዎም::
3. ካብ ከተማ ርሒቖም ዝነብሩን እኹል ግንዛበ ዘይብሎምን ዜጋታት ብዘይቅኑዕ ሕትመት ካርድ ይታለሉ ኣለዉ፤ እዚ ድማ ገንዘቦምን ግዜኦምን ኣታሊሉ ዝደልይዎ ኣገልግሎት ከይረኽቡ ይኽልክሎም።
ስለዝኾነ ናይ ኢ-ፋይዳ ኣማራፂ ዝደልዩ ዜጋታት “Fayda ID ” ሞባይል ኣፕሊኬሽን ብቀሊሉ ንክረኽቡ ምኽኣሎም ሃገራዊ ፕሮግራም መንነት ኣረዲኡ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.