ፋይዳ ንኢትዮጵያ ናይ 5 ኪሎ ሜትር ጉያ ጎዳና ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብሄራዊ መለለይ መንነት ግንዛበ ንምምሕያሽ ዕላማ ዝገበሮ ናይ 5 ኪሎ ሜትር ውድድር ጉያ ጎዳና ኣብ ኣደባባይ ተኻይዱ፡፡
ምክትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ ዘጀመርዎ እቲ ውድድር 25 ሺሕ ሰባት ዝተሳተፉ እንትኾን ልዕሊ 400 ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተሳተፍቲ ኮይኖም፡፡
ኣብቲ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ይስማው ድሉ ቀዳማይ እንትወፅእ ይበልጣል ጋሻውን ንብረት ክፍሌን ካልኣይን ሳልሳይን ብምዃን ዛዚሞም፡፡
ብውድድር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዮርዳኖስ ፅጋብ፣ ንግስቲ ጎላን ይርጋለም ኪዳነን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ብምውፃእ ተዓዊተን፡፡
ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ጉያ ጎዳና ጉዱኣት ኣካል ተሳተፍቲ ዝተገበረ እንትኾን ኣብቲ ውድድር ዝተዓወቱ ኣትሌታት ድማ ናይ 50 ሺሕ፣ 25 ሺሕን 15 ሺሕን ብር ሽልማት ገንዘብ ተበርኪቱሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኩሉ ዜጋ ሕጋዊ መለለዩ መንነት ፋይዳ ክህልዎ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም፡፡
ክሳብ ሕዚ 14 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ረኺቦም፡፡
ብትዝታ ወንድሙ