ፌስቲቫል ውድድር ባህሊን ስፖርትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ሃረር ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 23 ውድድር ባህሊ ስፖርት ኢትዮጵያን መበል 19 ፌስቲቫል ባህሊ ስፖርትን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሃረር ምክያድ ጀሚሩ፡፡
ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድርን ፌስቲቫል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን መኪዩ መሃመድ፣ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ባህሊ ስፖርን ህይወት መሓመድን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም።
ልምዓት ባህሊ ስፖርት ንብራኸ ኢትዮጵያ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝካየድ ውድድር ባህሊ ስፖርትን ፌስቲቫልን፤ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ስፖርተኛታት ክሳተፉ ኢዮም፡፡
እቲ ውድድር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ብ11 ዓይነታት ስፖርት ንሓደ ሰሙን ክካየድ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!