ፌደራል ፖሊስ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ቀይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ቀይሩ።
ሓላፊ ዋና መምርሒ ሎጂስቲክስ ፖሊስ ፌደራል ሓጋዚ ኮሚሽነር እሸቱ ፊጣ፤ ንልዕሊ 50 ዓመታት ኣብ ግልጋሎት ዝፀንሐ ናይ ፌደራል ፖሊስ ሰሌዳ ተሸከርካሪ ዝተዘበራረቐን ንፁር ዘይኮነን ከምኡ እውን ንምቁፅፃር ዘይምቹው ምንባሩ ተዛሪቦም፡፡
ብኣንፃሩ እቲ ሓድሽ ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ምስ ቴክኖሎጂ ዝተኣሳሰርን ምስ መረዳታ ዝተዋሃሃደን ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ሰሌዳ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክቕድሑ ዘይክእሉ ምስጢራዊ መለለዪታት ዝሓዘ ምዃኑን እዚ ድማ ንስራሕ ምንቅስቃስ ስሉጥን ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ይህልዎ ኢሎም፡፡
ሰሌዳ ተሽከርከርቲ ዓለም ለኸ ተወዳዳርነት ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ብምግላፅ ንህዝቢ ምቹው ግልጋሎት ኣብ ምሃብን ገበናዊ ምርመራን ክትትልን ኣብ ምምችቻው ሓጋዚ ከምዝኸውን ኣመላኪቶም።
ብሄብሮን ዋልታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!