ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ከቲሞም።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽናት ካራቴ ኢትዮጵያ ሙሉነህ ጎሳዬ፥ እቲ ስምምዕነት ሞያተኛታት ስፖርት ካራቴ ኢትዮጵያዊያን ናይ ሙያ ምዕባለ ነክረኽቡ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተኣሚኑሉ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ውድድራት ካራቴ ከምእትሳተፍን ዓበይቲ ውድድራት ብብቕዓት ንክተሰናድእ ዝሕግዝ ከምዝኾነን ተዛሪቦም።
ምክትል ፕሬዚዳንትፌዴሬሽን ካራቴ ዓለምን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ካራቴ ደቡብ ኣፍሪካን ሶኒ ፕሌይ ብግደኦም፥ ኣብ ቀፃሊ ኢትዮጵያ ኣብ ስፖረት ጠመተ ብምግባር ንክትሰርሕ ሓገዝ ክንገብር ኢና ኢሎም።
ብዳንኤል እንዳለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!