ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ የሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ መበል 17 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ የሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ መደባት 2017 ዓ.ም ዝቐረበ እንትኸውን፥ ኣብቲ ባጀት ዓመት ደምር ኣታዊ ለዕሊ 357 ሚሊየን ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣብ 2016 ዓ.ም 27 ሚሊየን ብር ኪሳራ ዘጓነፎ እቲ ፌዴሬሽን፥ ኣብ 2017 ዓ.ም 59 ነጥቢ 8 ሚሊየን ብር ተርፊ ከመዝረኸበ እወን ተሓቢሩ።
ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ባህሩ ጥላሁን፥ እተን ጋንታታት ናይ ፊፋ መዐቀኒታት ጋንታ ላይሰንሲንግ ንከማልኣ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝተኻየደ ተዛሪቦም።
ብሙባረክ ፋንታው