Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉይ ልኡኽ ዶናልድ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍ ምስ ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ጠጠው ምባል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ተዛቲዮም፡፡

ሓጋዚ ጉዳያት ፖሊሲ ወፃኢ ሩሲያ ዩሪ ኡሻኮቭ ክልቲኦም ወገናት ኲናት ጠጠው ምባል ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ገሊፆም፡፡

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ፕሬዚዳንት ፑቲን ዝነበሮም ዘተ ንፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ምስ ኣብፅሑ ኣብ ሞንጎ ዋሽንግተንን ሞስኮን ተወሳኺ ድርድራት ከምዝግበሩ ሓቢሮም።

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ምቁራፅ ተኹሲ ንኽገብራ ገደብ መዓልቲ ብመሃብ ሩሲያ ዘይትስማዕማዕ እንተኾይና ኣብ ልዕሊ ሞስኮን ናይ ነዳዲ ዕድጊት መሻርኽታን ማዕቐብ ከምዘንብሩ ምትሕስሳቦም ይዝከር፡፡

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኔቶ ማቲው ዊትከር ዑደት እቶም ፍሉይ ልኡኽ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ጠጠው ከብል ከምዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ምግላፆም ቢቢሲን ኣርቲን ፀብፂቦም፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.