Fana: At a Speed of Life!

ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ኣፀገምቲ ኦፕሬሽናት ብጅግንነት ዝፍፅም ኢዩ – ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል

አዲስ አበባ፣ ታሕሣሥ 12፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍሉይ ሓይሊ ኮማንዶ ኣፀገምቲ ኦፕሬሽናት ብፍልጠትን ጅግንነት ዝፍፅም ኢዩ ኢሎም ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል፡፡

ኣካዳሚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘሰልጠኖም ኣባላት ፖሊስ ኮማንዶ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ተመረቕቲ ካብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተመልመሉ እንትኾኑ፤ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ፍሉይ ፖሊሳዊ ስልጠና ወሲዶም።

ኣብዚ ፍይ ስልጠና ኮማንዶ ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ኦፕሬሽንን ወፍሪን ንምውፃእ ዘኽእል ጥንኩር ዓቕሚ ከምዝፈጠሩ እውን ኣብሪሆም።

ፖሊስ ብሕጊ፣ ኣሰራርሓ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ብርክብ ውሽጢን ወፃኢን ዕዉት ሪፎርም ኣካይዱ ኢዩ ኢሎም።

በዚ ድማ ማእገር ሃገር ዝኾነ፣ ዘይሻራዊን ሞያዊ ብቕዓትን ናይ ምፍፃምን ዓቕሚ ዘለዎ፣ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪ ትካል ፖሊስ ከምዝተሃነፀ።

ብፍላይ ሓይሊ ሰብ እዋኑ ዝጠልቦ ዝተማለአ ፖሊሳዊ ፍልጠት፣ ክእለትን ስብእናን ንኽላበስ ትካላት መሰልጠኒ ምዕባይ ክኢልና ኢሎም።

እቲ ሓይሊ ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ እዋናር ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝባን ብባንዳን ባዕዲን ዝተፈነዉ ሃገር ናይ ምፍራስ ሽርሒታት ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ መስዋእትነት ብምኽፋል ከምዘፈሸሉ ገሊጦም።

ታሪሓዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምትዕንቓፍ ከምዘይድቅሱ ብምሕባር፤ ዝኾኑ ይኹኑ ወፍሪታት ብብቕዓትን ቆራፅነትን ንምውፃእ ኩሉግዘ ድሉዋት ኢና ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.