ፍሉይ ወፍታት እዚ ብምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ዝህቦም ግቡእ ብዘተኣማምን ንምፍፃም ድልው እዩ- ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፍሉይ ወፍሪታት እዚ ብምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ዝህቦም ግቡእ ብዝተኣማምን ኩነታት ናይ ምፍፃም ብቕዓት ሃኒፁ እዩ ኢሎም ኣዛዛ ፍሉይ ወፍሪታት እዚ ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ፡፡
መበል 65 ዓመት ምስረታ በዓል ፍሉይ ወፍታት እዚ ሰራዊት ምኽልኻል ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊ ጦር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ይኽበር ኣሎ።
ሌተናል ጄነራል ሹማ ኣብደታ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ቀንዲ ዕላማ ኣብ ዝሓለፉ 65 ዓመታት ዘካዕበቶ ተሞክሮ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ንምስግጋር እዩ፡፡
ኢትዮጱያ ንምድፋር ዝፍትኑ እንተሃልዮም ኣብ ዘተኣማምን ቅዋም ከምእንርክብ ንምርኣይን መቕዘፍቲ ፀላኢ ምዃንናን ንምርኣይ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡
እቲ እዚ ብምድሪ፣ ኣየርን ባሕርን ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ብዓወት ምውፃእ ዘኽእል ወታደራዊ ብቕት ከምዝሃነፀ ኣብሪሆም።
ኣብ ቀፃሊ እቲ እዚ ሃገር ዝሃበቶ ግቡእን ተልእኾን ብዝለዓለ ወታደራዊ ብቕዓት ንምፍፃም ዝተማልአ ምድላዋት እናገበረ ከምዝርከብ ኣረዲኦም፡፡