ፍልሰት ብኣግባቡ እንተተመሪሑ ዕድል ልምዓት ዝፈጥር ኢዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፍልሰት ብኣግባቡ እንተተመሪሑ ዕድል ልምዓትን ዕብየትን ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።
ዓመታዊ ኣኼባ ብሄራዊ ፍልሰት እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።
ኣይተ ተመስገን፥ ልኡላውነት፣ ድሕንነትን ናይ ምልማዕ ባህጊን ኢትዮጵያ ምስ ሰብ ኣዊ መሰልን ክብሪን ፍልሰተኛታት ኣመዛዚንካ ምምራሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።
ፍልሰት ተፈጥሮኣዊን ሕገ መንግስታዊን መሰል ካብ ምዃን ብተወሳኺ ረብሕኡ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ፍልሰት ዓለም ለኻዊ ኣጀንዳ ሰብኣዊ መሰል፣ ፖለቲካ፣ ፀፅታን ልምዓትን ከምኡውን ካብ ዓለም ለኸ ዓውዲታት ምትሕብባር ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!