ፍሬህይወት ታምሩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ መራሐቲ ቢዝነስ ኣፍሪካ ዝብል ኣፍልጦ ረኺበን
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ መራሐቲ ቢዝነስ ኣፍሪካ 2026 ዝብል ኣፍልጦ ረኺበን፡፡
እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ መቐመጢኡ ኣብ እንግሊዝ ለንደን ዝገበረ መፅሄት ቢዝነስ ኣፍሪካ ኣብ ዝርዝር ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ መራሕቲ ቢዝነስ 2026 ክካተታ ክኢለን፡፡
ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቴሌኮምን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ንዘመዝገበኦ ዕዙዝ ዓወትን ንዘበርከተኦ ልዒል ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ከምዝተውሃበን ተሓቢሩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮ ቴሌኮም ስሩዕ ኣገልግሎት ቴሌኮም ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኩለመዳይ ዲጂታል ተረባሕነትን ዕቤት ኢኮኖሚን ንምርግጋፅ ዕዙዝ ግደ ንኽተዋፃእ ከምዘኽኣላ ተገሊፁ፡፡