Fana: At a Speed of Life!

ፍትሒ ንምዕሳልን ልዕልነት ሕጊ ንምርጋፅን ግደ ዓገብቲ ሕጊ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ ዓቀብቲ ሕጊ ፍትሒ ንምዕሳልን ልዕልነት ሕጊ ንምርጋፅን ወሳኒ ግደ ይፃወቱ ኢለን።

ኣብ ቻይና ከተማ ጓንጁ ፎረም ምትሕብባር ዓቀብቲ ሕጊ ቻይና – ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ።

ኣብቲ ፎረም፤ ኢትዮጵያ፣ ኣልጄሪያ፣ ኮንጎ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ፣ ግብፂ፣ ኬንያ፣ ሞሮኮ፣ ሞዛምቢክ፣ ናይጄሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ዩጋንዳ፣ ዛምቢያን ዚምባቡዌን ብዓቀብቲ ሕጎምን ጉጅለ ልኡኸን ኣቢለን ተሳቲፈን።

ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያስላሴ ኣብቲ መድረኽ፤ ፎረም ምትሕብባር ቻይና – ኣፍሪካ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካን ቻይናን ዘሎ ፅቡቕ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ብፍላይ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚን ንኹሉ ወገን ዘኽበረ ፖለቲካዊ ምሕዝነትን ጋህዲ ኣብ ምግባር ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጠናኸረ ዝመፅአ ስርዓት ከምዝተፈጠረ ገሊፀን።

እቲ ፎረም ኣብዚ እዋን ምክያዱ ሓሳባት ንምልውዋጥ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ዓቀብቲ ሕጊ ዘይሻራውነቶም ኣብ ምርግጋፅ ሓቂ ናይ ምእላሽን ፍትሒ ንምዕሳልን ሓላፊነቶም ኣብ ምውፃእ ንዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ሕቡራት መንግስታት 16 ንምዕዋት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክት እውን ኣመልኪተን።

ሃገራት ኣፍሪካን ቻይናን ኣብ ቀፃሊ ሕድሕዳዊ ልውውጣት ልምዲ ብምግባር ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣብቲ መድረኽ ምግላፁ እቲ ሚኒስቴር ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.