ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም መናእሰይ ኣፍሪካ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ፎረም ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 300 መናእሰይን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳቲፎም።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ዓቕሚ መናእሰይ ምዕባይ ንቐፃሊ ትውልዲ ኩለመዳይ ዕቤት ወሳኒ ኢዩ።
ኢትዮጵያ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘለዎም ተሳትፎ ንምዕባይ ብቖራፅነት እናሰርሐት ምዃና ኣብሪሆም።
ዓቕሚ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይ ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ኢኒሼቲቫት ተሓንፂፆም እናተተግበሩ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ንኣብነት ድማ ስልጠና ኢትዮ ኮደርስ መናእሰይ ብዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ክእለት ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ ኢሎም።
ብኣምር ምድማር መናእሰይ ብኣመራርሓ ምሃብ፣ ፈጠራ ስራሕ፣ ኣብ ኢንተርፕርነርሽፕን ካልኦት ዓውዲታትን ዘለዎም ተሳትፎ ብዝበለፀ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኣብ ትካል ልምዓት ኔዘርላንድስ (ኤስኤንቪ) ተወካሊ ኢትዮጵያ ጁሊ ግራሃም ብግደኦም፥ ኩለመዳይ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባት ብምትሕብባር ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
እቲ ትካል መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ዓውዲ ፖሊሲ፣ ኢኖቬሽን፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊ ዘለዎም ተሳትፎ ንምጥንኻር ሓገዙ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።
ማሕበር መናእሰይ እንደራስን ኤስኤንቪን ብሓባር ዘሰናድኡዎ እቲ ፎረም ንክልተ መዓልቲታት ክካየድ ኢዩ።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!