Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ምግቢ ዓለም ንኢትዮጵያ ንምፍላጥ እወንታዊ ዕድል ዝፈጠረን ውፅእ ኢላ ዝተርኣየትሉን ኢዩ- ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፎረም ምግቢ ዓለም ንኢትዮጵያ ንምፍላጥ እወንታዊ ዕድል ዝፈጠረን ውፅእ ኢላ ዝተርኣየትሉን ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ዴኤታ ግብርና ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)።

ኣብ ጣሊያን ሮም ይካየድ ኣብ ዘሎ ፎረም ምግቢ ዝሳተፋ ዘለዋ እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ እቲ መድረኽ ዝጠመተ መብርሂ ሂበን።

ኣብቲ ፎረም ዝሳተፉ ዘለዉ ተወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና እትገብሮ ንዘላ ስራሕ ኣፍልጦ ከምዝሃቡ ተዛሪበን።

ሓፈሻዊ ኣብ ዓውዲ ግብርና ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝጠመተ መብርሂ ከምዝተገበረ ብፍላይ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ እወንታዊ ምላሽ ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ግብርና ዘለዉ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ምስታፍ ዝደሊዩ ኢንቨስተራት ዘተ ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።

ኣብ ስራሕቲ ሜካናይዜሽን፣ ልምዓት ኣዝርእቲ፣ ፋይናንስ ግብርና ንምውፋር ዘለዎም ድልየት ምግላፆም ተዛሪበን።

ኢትዮጵያ ኣብ ማይ፣ ሓመድን ክሊማዊ ለውጠን ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቶም ኢንቨስተራት ኣብ ዓውዲ ግብርና ንክዋፈሩ ተበግሶ ዝፈጠረ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብዮናስ ጌትነት

 

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna  ፡

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.