Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ጣና  ሎሚ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 11 ፎረም ጣና  ሎሚ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ክጅመር ኢዩ።

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ፥ እቲ ፎረም “ኣፍሪካ ኣብ ተቐያያሪ ሉላዊ ስርዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሰለስተ መድረኻት ክሳለጥ ኢዩ ኢሎም።

ቀዳማይ መድረኽ ሎሚ ባህርዳር ዝካየድ እንትኸውን፥ መበል ካልኣይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡውን ሳልሳይ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ክካየድ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝሳተፉ ተወከልቲ ቀጣናዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት፣ ዲፕሎማታት፣ ኩለ መዳይ ትካላትን ፍሉያት ልኡኽን ናብ ባህርዳር ኣትዮም።

ኣብቲ ፎረም ኣፍሪካዊያን ኣብ ተቐያያሪ ስርዓት ዓለም ውሽጢ ተዋሳእቲ ንክኾኑ ዘኽእል ልዝብ ክግበር ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.