Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ጣና ካብ 14 ክሳብ 16 ጥቅምቲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 11 ፎረም ጣና ካብ 14 ክሳብ 16 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማታት ባህር ዳርን ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዳይሬክተር ጉዳያት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ መግለጫ፥ እቲ ፎረም “ኣፍሪካ ኣብ ተለዋዋጢ ሉላዊ ስርዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብሰለስተ መድረኻት ክካየድ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝካየድ እንትኸውን÷ 2ይ መድረኽ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝኽሪ ዓወት ዓደዋ ከምኡ እውን እቲ 3ይ ብሚኒስትራት ጉዳያት ወፃኢ ከምዝሳለጥ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ትካላት፣ ዲፕሎማሰኛታት፣ በዓል ብዙሕ ወገን ትካላትም ዝተፈላለዩ ልኡኻትን ክሳተፉ ኢዮም።

ኣብቲ ፎረም ኣፍሪካውያን ኣብ ተለዋዋጢ ስርዓት ዓለም ተዋሳእቲ ንኽኾኑ ዘኽእል ምኽክር ክግበሩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.